×

Error

Cannot retrive forecast data in module "mod_sp_weather".

 ሻሎም ቤተክርስትያን ኦስሎ ከም ምልእቲ ማሕበርን ምሉእ ኣገልግሎት ምሃብ
ካብ እትጅምርን መበል 13 ዓመታ ሒዛ አላ። ኣቐዲማ ሰላም ማሕበር ኣመንቲ
ኦስሎ ዝብል ሽም ሒዛ ኤርትራ ከም ሃገር ካብ እትቐውም ክትንቃሳቐስ ከላ
ኣባላታ ይኹኑ ኣገልገልታ ሙቐት ፍቕሪ ጎይታ ድኣ እምበር እቲ ስሩዕ ኣገባባት
ቤተክርስትያን ከም እኒ ማይጥምቀት ንዓበይቲ ጥምቀት መንፈስ ቅዱስን ትምህርቲ
ወዲመዝሙርነትን ኣገልገልትን ኣይተካይድን ነይራ። ነዚ ሕጂ በጺሓቶ ዘላ ጠርዚ
ንምብጻሕ ቀንድን ኣገዳስን ግደ ተጻዊታ።

ኣብ ምሉእ ሃገር ኖርወይ ከም ቤተክርስትያን ክትንቃሳቐስ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ
እዋን እዚ ንዓኣ መሰልቲ ማሕበራት ኣብ ሓያሎ ከተማታት ኖርወይ ይርከባ። ኣመንታ
ብቑጽሪ ልዕሊ 300 ይኾኑ። ልዕሊ ሰብዓ ዝኾኑ ህጻናትን ቆልዑን ኣለዉና። ልዕሊ
ዕስራ ዝኾኑ መንእሰያት ኣብ ኤውሮጳን ኤርትራን እተወልዱ ይርከቡና። መንእሰያት
ሻሎም ዋርሳይ እዮም ኢልና ስለ እንኣምን ዋርሳይ ስለዝኾኑ ተኽእሎ ሙዚቃኦም
ንምዕባይ ብኪኢላ መምህር 3 ሳዕ ኣብ ሰሙን ይስልጥኑ። ምዱብ መዓልቲ ኣምልኾ
ብምዱብ ኣገልጋሊ ይግልገሉ።


                       ቦታ ቤተሰብ
ኣብ 2014 እግዚአብሄር ንሻሎም ቤተክርስትያን " ክርስቶስ ዘማእከለት ቤተሰብ
ዘተኮረት ትንቢታዊት ምስዮናዊት" ማሕበር ክትከውን ብዝሃበና መምርሒ መሰረት
ንዓይን ንተግህን አሎና። መሰረት ሃገር ቤተሰብ ኢልና ንኣምን። ከመይሲ ጥዑይ
ቤተሰብ ምስዝህሉ ጥዑይ ቤተክርስትያን ይህሉ፤ ጥዑይ ቤተክርስትያን ምስዝህሉ
ጥዑይ ማሕበረሰብ ይህሉ፡ ጥዑይ ማሕበረሰብ ምስ ዝህሉ ድማ ጥዑይ ሃገር ይህሉ
ኢልና ንኣምን፡፡ እግዚኣብሄር ንቤት እንተዘይሃነጻ ጻዕሪ ኩሉ ከንቱ ከምዝኸውን ስለ
እንፈልጥ እምንቶና ብርግጽ ኣብ ኣምላኽ እዩ። እዚ ግና ሓላፍነትና ንኽንድርቢ ዝገብረና
ዘይኮነስ እቲ እንገብሮን እንሰርዖ መደባትን ኣብኡ ብምውካል ክኸውን ከምዘለዎ ንፈልጥ።
ሰብ ሓዳር ንሓዳሮምን ነታዓባብያ ደቆምን ዝኸውን ሰሚናራትን ጉባኤታትን ንሰርዕ።
ደቅና ስሩዕ ትምህርቲ ሰንበት በቲ እንነብረሉ ዘሎና ሃገር ቋንቋ ይመሃሩ። ብምስዓብ
ትምህርቲ ብቋንቋ ትግርኛ ብስልጡናትን ትጉሃትን መማህራን ይቕጽሉ።